• ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ሕዳር 2024)

  • Nov 7 2024
  • Length: 52 mins
  • Podcast

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ሕዳር 2024)

  • Summary

  • ንሎሚ ሓሙስ 7 ሕዳር 2024/ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንሓዱሽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ናይ እንቋዕ ኣሐጎሰካ መልእኽቲ ሰዲዶም። "ልዕሊ 970 ሽሕ ተመዛበልቲ ትግራይ ናብ መረበቶም ኣይተመለሱን" ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ ስራሕቲ ጽገና ሓወልቲ ኣኽሱም ናብ ተግባር ንምእታው ስምምዕት ተፈሪሙ። መንገዲ ኣየር ፈረንሳ፣ ንኤርትራ፣ ሱዳንን የመንን ኣብ ዘዋስን ክሊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዘካይዶ በረራ ኣቋሪጹ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ሉኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ኣለና። ኣገዳስነት ባህላዊ ቅድታት ኣብ ከተማታት ኣውስትራሊያ፡ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታትውን ኣዳሊና ኣለና። ብዙሓት ኤርትራዊያን ንኡጋንዳ ከም ካልኣይትቲ ዓዶም ሓሲቦም ኣብታ ሃገር ከውፍሩ ደቆም ከምህሩን ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክሳተፉን ትካላት ሃይማኖት ከዐንብቡን ይረኣዩ ኣለዉ። ኣኽሊሉ ሃብተሚካኤል'ውን ኣብ ኡጋንዳ ንልዕሊ 13 ዓመታት ኣብዝነብረሉ ዘሎ ነቶም ኣብቲ ሃገር ዝነብሩ ኤርትራዊያን ዝተፈላልዩ ሞያታት ክሕዙን ብማሕበራዊ መድያ ዘንቅሑን ዘለዉ እዩ። ም ስ ኡ ዝገበርናዮ ዕላል መቐጸልታ ሎሚ ከነቕርበልኩም ኢና። ኣርእስታት ዜና፥ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መበል 47 ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ብኣዝዩ ገፊሕ ድሕሪ ምዕዋቱ ፡ ምስ ኣመሪካውያን ዕርቂ ከም ዝደሊ ተመባጺዑ ። መራሕቲ ሃገራት ነቲ ናይ መበል 47 ፕረሲደንት ኮይኑ ተመሪጹ ዘሎ ትራምፕ ናይ እንቋዕ ኣሐጎሰካ መልእኽቲ ይልእኩ ኣለዉ። ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ተስፋ ኣርሰናል ንጽዋዕ ፕሪምየር ሊግ የጸልምት፣
    Show more Show less
activate_Holiday_promo_in_buybox_DT_T2

What listeners say about ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ሕዳር 2024)

Average customer ratings

Reviews - Please select the tabs below to change the source of reviews.