• ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ሓምለ 2025)
    Jul 9 2025
    ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ * ትሬዠረር ጂም ቻልመርስ ማእከላይ ወይ ሪዘርቭ ባንክ ኣውስትራልያ መጠን ወለድ ከምዘለዎ ክጸንሕ ዝወሰዶ ውሳነ ሚልዮናት ኣውስትራልያውያን ብተስፋ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ኣይኮነን ይብል፣ * ሓደ ካብ ዓበይቲ ወሃብቲ ኣገልግሎት መዋእለ ህጻናት ቻይልድኬይር ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ውሽጢ’ቶም ልዕሊ 400 ዝኾኑ ማእከላቱ መከታተሊ ካሜራ ሲሲቲቪ ከእቱ ምዃኑ ገሊጹ፣ * ፕረዚደንት ዩኤስ ዶናልድ ትራምፕ ናብ’ቲ ምዕልቕላቕ ኣጥቂዕዎ ዘሎ ከባቢታት ቴክሳስ ዓርቢ ምብጻሕ ክፍጽም’ዩ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ንራብዓይ መዓልቱ ኣብ ዝቐጸለሉ ታደይ ፖጋቻር ኣብ’ዚ ዓመት ናይ ፈለማዪ መድረኻዊ ዓወት ብምምዝጋብ ተዓዊቱ፣ ቢንያም ግርማይ ብሰላም ኣትዩ፣
    Show more Show less
    7 mins
  • How to start your home business in Australia - ኣብ ኣውስትራልያ ንግዲ ኣብ ገዛኹም ከመይ ገይርኩም ትጅምሩ፧
    Jul 8 2025
    Did you know that people offering taxi services from home need to register for Goods and Services Tax (GST)—regardless of how much they earn? Or that a fitness instructor needs local council approval to see clients at home? In this episode, we unpack the basic rules you need to know when setting up a home-based business in Australia. - ካብ ገዛ ዝካየድ ንግዲ (home-based business) ከም ሓሳብ ንብዙሓት ሰሓቢ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ወጻኢታት ዝቕንስ፡ ክትተዓጻጸፍ ዕድል ዝህብን ንብዙሓት ዝዓይነቶም ሞያታት ዝጥዕም፡ ከምኡ'ውን ካብ ቤት ጽሕፈት ጥራይ ክካየድ ግድን ዘይኮነን'ዩ። ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ ኣካላዊ ብቕዓትን ድሕነትን፡ ጸጉርን ጽባቐን፡ ምኽሻን መግቢ ወይ'ውን ዋላ ፕሮፌሽናል መዋእለ ህጻናት የካትት። ግን ልክዕ ከም ካልኦት ንግድታት ክትክተልዎም ዘለኩም መምርሒታት ኣለዉ። ኣብ'ዚ ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ ትሕዝቶ ካብ ገዛ ዝካየድ ንግዲ ክትከፍቱ ክትሓስቡ'ንከለኹም ኣብ ግምት ከተእትውዎም ዘለኩም መሰረታውያን ሕግታትን መምርሒታትን ክአምኡ'ውን ቀንዲ ስጉምቲታትን ብዝርዝር ከነቕርቦም ኢና።
    Show more Show less
    12 mins
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ሓምለ 2025)
    Jul 8 2025
    ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (08 ሓምለ 2025) * ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያ ነቶም ተወሳኺ ምቅላል ኣብ ለቓሕ ዕድጊ ኣባይቲ ወይ ሞርጌጅ ክጽበዩ ዝጸንሑ ተለቃሕቲ ኣብ ዘየሐጉስ ስጉምቱ መጠን ወለድ ከምዘለዎ ክጸንሕ ወሲኑ፣ * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባነዚን ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ሊይ ጀይ-ምዩንግን ፕረዚደንት ዩኤስ ዶናልድ ትራምፕ ታሪፋት ክውስኹ ድሕሪ ምውሳኑ ሃገራቶም ሕድገት ክግበረለን ዘተኦምን ሕቶኦምን ከምዘየቋርጹ ገሊጾም፣ * ኣብ ምድብ ነጥቢ መሪሕነት ሒዙ ዝጸንሐ ያስፐር ፊሊፕሰን ወዲቑ ኣብ ዘቋረጸሉ 3ይ መድረኽ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ብዓወት ቲም መርሊየር ተዛዚሙ፣ ቢንያም ግርማይ 6ይ ብምውጻእ ብሰላም ኣትዩ።
    Show more Show less
    7 mins
  • “ጽልኢን ሕሜትን ኣብ ልዕሊ ኣእምሮን ኣካልን ጸቕጢ ይፈጥሩ፣ ስለ’ዚ ፈቃራት ንኹን፣ ካብ ጽምዋ’ውን ንድሕን፣” ኣቶ ዮሃንስ ድራር
    Jul 7 2025
    ኣቶ ዮሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር ኣብ ከተማ ኦታዋ፡ ካናዳ፡ ዝነብር ኤርትራዊ ካናዳዊ እዩ። ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባውያን መድረኻት ብዙሕ ኣስተምህሮን ምኽርን ዝህብን ዝጽሕፍን ተሞክሮ ዘለዎ ክኢላ’ዩ። ዝሓለፈ ዓመት 'መባእታዊ ትምህርቲ ጥዕና ኣእምሮ' ትብል መጽሓፍ ኣዳልዩ ንሕትመት ዘቕረበ'ዩ። ኣብ ዙርያ ጥዕና ኣእምሮ ብሓፈሽኡን ልሙዳት ተርእዮታት ጸገማቱ ብፍላይ ከምኡ'ውን ኣብ ዙርያ'ታ ዝጸሓፋ መጽሓፍ ዕላል ከነካይድ ዕዱምና ገይርናዮ ኣለና። [ቀዳማይ ክፋል]
    Show more Show less
    18 mins
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ሓምለ 2025)
    Jul 7 2025
    ንሎሚ ሶኑይ ሓምለ 7፣ 2025 ዘዳለናዮም መደባት ጸብጻባት ዜና ዓዲ: * ኮሚሽን ምትሕብባር ኤርትራ-ሩሲያ ክቐውም ሩስያ ብካብኔኣ ኣፅዲቓ፣ ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዶብ ብፖሊስ ተታሒዞም፣ ፕረዚዳንት ክልል ትግራይ ታደሰ ወረደ ኣብ ዓፋር ምስ ዘሎ ዕጡቅ ሰላማዊ ክፍታሕ ከም ዝግበረሉ ገሊጹ፣ ህወሓት ንኲናት ዝኾነ ዓይነት ምድላው ከም ዘይገበረ ኣፍሊጡ፣ ኣብ ትግራይ ሃገራዊ ዘተ ንምጅማር ይስራሕ ኣሎ ክብል ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ሓቢሩ። * ፖሊስ ቪክቶርያ ንሓደ ሰራሕተኛ መዋእለ ህጻናት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወን ፈጺምዎም ምስ ዝተባህሉ ጾታዊ ገበናት ዝተኣሳሰሩ 70 ክስታት ኣቕሪቡ’ሎ ተባሂሉ ድሕሪ ምቅልሑ መንግስቲ ኣውስትራልያ ማእከላት መእለዪ ህጻናት መለክዒታት ድሕነት እንተዘየማሊኤን ዝምወልኦ ገንዘብ ንኽምንጥለን ዘኽእሎ ሓድሽ ሕጊ የናዲ’ሎ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ኮኾብ ኣጥቃዓይ ሊቨርፑል ፖርቱጋላዊ ወዲ 28 ዓመት ዲየጎ ዦታ ምስ ሓው ኣብ ስፐይን ብሓደጋ መኪና ድሕሪ ምማቶም ናይ ሓዘን መልእኽታት ይውሕዙ'ለዉ። ሞት'ዚ ቅድሚ 10 መዓልታት ዝተመርዓወን ቅድሚኡ ድማ ሊቨርፑል ፕሪምየርሊግ ክትዕወት ዝሓገዘን ዲየጎ ንኩዕሶ እግሪ ዓለም ኣብ ስንባደ ከምዝኣቱ ገይሩዎ'ሎ። እቲ ግብረመልሲ ንሞቱ ከመይ ኔሩ ንምልከቶ’ዩ። * ኣቶ ዮሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር ኣብ ከተማ ኦታዋ፡ ካናዳ፡ ዝነብር ኤርትራዊ ካናዳዊ ኮይኑ ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባውያን መድረኻት ብዙሕ ኣስተምህሮን ምኽርን ዝህብን ዝጽሕፍን’ዩ። ዝሓለፈ ዓመት 'መባእታዊ ትምህርቲ ጥዕና ኣእምሮ' ትብል መጽሓፍ ኣዳልዩ ንሕትመት ዘቕረበ'ዩ። ኣብ ዙርያ ጥዕና ኣእምሮ ዕላል ከነካይድ ዕዱምና ገይርናዮ ኣለና። ቀዳማይ ክፋሉ ክቐርብ’ዩ። * ኣብ መወዳእታ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ዜናታት ጉያ እግሪ ካብ ኣልማዛዊ ሊግ ዋንዳ፣ ቢንያም ግርማይን ዙር ፈረንሳን፣ ዋንጫ ዓለም ክለባትን ካልኦትን ዘካተተ’ለና።
    Show more Show less
    49 mins
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ሓምለ 2025)
    Jul 7 2025
    ቀንዲ ነጥብታት ዜና፡ * ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ተጠቀምቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ከተማ ሲድኒ ንክልተ መዓልታት ነጻ ኣገልግሎት ክረኽቡ ክኽእሉ’ዮም፣ * ሓደስቲ ጻዕርታት ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ኣብ ቓዛ ኣብ ዝካየድሉ ዘለዉ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ሎሚ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ክራኸብ’ዩ፣ * ኣሽሓት ቲበታውያን ኣመንቲ ቡድሂዝም መበል 90 ዓመት ልደት ናይ’ቶም ድሕሪ ሞት ደጊሞም ክውለዱ መደብ ዘለዎም ዳላይ ላማ ንምብዓል ናብ’ታ ኣብ ኣኽራናት ሂማላያን ናይ ህንዲ ትርከብ ከተማ ዳርምሻላ ክውሕዙ ጀሚሮም፣
    Show more Show less
    10 mins
  • ዙር ፈረንሳ ቀዳም ኣብ ዝተጀመረሉ ቢንያም ግርማይ ካልኣይ ኣትዩ፡ ኬንያውያን ደቀንስትዮ ክብረወሰናት ሓማሺሸን፣
    Jul 7 2025
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ (07/07/2025) * ኬንያውያን ኣትሌታት ክብረወሰናት ዓለም ኣብ ዘመሓየሻሉ ርክባት ኣልማዛዊ ሊግ ዋንዳ፣ ኣብ ዩጂን፣ ኢትዮጵያዊት ጉዳፍ ጸጋይ ዝድነቕ ሳልሰይቲ ወጺኣ፣ ክብረወሰና ግን ተመንጢላ ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ቀዳም ኣብ ዝተጀመረሉ መዓልቲ ቢንያም ግርማይ ካልኣይ ኣትዩ፡ ቅሳነት ወልደሚካኤል ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፖርቱጋል ደቀንስትዮ መበል 18 ወዲኣ፣ * ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክለባት ቸልሲ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ ኣንጻር ፍሉሚነንሰ ክትገጥም’ያ፣ ፔኤስጂን ሪያል ማድሪድን ድማ ኣብ’ቲ መሳጢ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ክራኸባ’የን፣
    Show more Show less
    9 mins
  • ህወሓት ዝኾነ ዓይነት ምድላው ንኲናት ኣይገበርኩን፣ እኳ ደኣ ፈደራል መንግስቲ'ዩ ኣንጻረይ ዕጡቓት ዘሰልጥን ክብል ይኸስስ (ጸብጻባት)
    Jul 7 2025
    ንሎሚ ንጽብጽቦም ዜናታት * ኮሚሽን ምትሕብባር ኤርትራ-ሩሲያ ክቐውም ሩስያ ብካብኔኣ ኣፅዲቓ፣ * ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዶብ ብፖሊስ ተታሒዞም፣ * ፕረዚዳንት ክልል ትግራይ ታደሰ ወረደ ኣብ ዓፋር ምስ ዘሎ ዕጡቅ ሰላማዊ ክፍታሕ ከም ዝግበረሉ ገሊጹ፣ * ህወሓት ንኲናት ዝኾነ ዓይነት ምድላው ከም ዘይገበረ ኣፍሊጡ፣ * ኣብ ትግራይ ሃገራዊ ዘተ ንምጅማር ይስራሕ ኣሎ ክብል ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ሓቢሩ ዝብሉ ’ዮም።
    Show more Show less
    9 mins